Fana: At a Speed of Life!

ዞባታት ጉራጌን ጎፋን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደገፍ ኣብዑር ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዞባታት ጉራጌን ጎፋን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደገፍ 626 ኣብዑር ገይሮም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ዞባ ጉራጌ ኣይተ ክፍሌ ለማ፥ ገብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሀዝቢ እቲ ዞባ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ከምዝተሰለፈ ገሊፆም።

መነግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም እቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምስዕረት ብምሕሳብ ዘካየዶ ሳልሳይ ዙር ወረራ ክሳብ ዝኽበስ ህዝቢ እቲ ዞባ ደጀንነቱ ከምዘረጋግፀ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ሃገራዊ ፃውዒት፥ 373 ኣብዑር፣ 159 ጠለ በጊዕ፣ 96 ኩንታል ሽኮር፣ 120 ኩንታል ጥሕኒ ከመዝተኣከበ ተዛሪቦም።

እቲ ደገፍ 30 ሚሊየንን 624 ሺሕን 675 ብር ዝግመት ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ኮሚኒኬሽን እቲ ዞባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.