Fana: At a Speed of Life!

ዞባ ፈንቲ ረሱ ካብ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ነፃ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) መከላከያ ሰራዊት፣ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር፣ ሚሊሻን ህዝባዊ ሰራዊትን ህወሓት ወረራ ዝፈፀመሎም ከባቢታት ንምልቃቕ ብዝገበርዎ ቃልሲ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ካብ ክልል ዓፋር ዞባ ፈንቲ ረሱ ሙሉእ ንሙሉን ምውፃእ ከምዝኸኣሉ ተገሊፁ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ወሰን ዓፋር ጥሒሱ ብምእታው ዝተፈላለዩ ከተማታት ፈንቲ ረሱ ብምውራርን ንፁሃን ብምቕታልን፣ ብዙሓት ካብ መረበቶም ብምፍንቓል ኣብ ለዕሊ ህዝቢ ዓፋር ግፍዒ ፈፂሙ ኢዩ።

እዚ እኩይ ተግባር ንምምካት መከላከያ ሰራዊት፣ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር፣ ሚሊሻን ህዝባዊ ሰራዊትን ብሓባር ብምቅላስ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ካብ ክልል ዓፋር ናይ ምውፃእ ስራሕ ብዕዉት ኩነታት ምዝዛሙ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳተጨያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.