Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ልዕሊ 4 ሺሕን 858 ተምሃሩኡ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ልዕሊ 4 ሺሕን 858 ተምሃሩኡ ንመበል 33 ግዘ ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብመርሃ ግብሪ ቀዳማይ ዲግሪ፣ ካልኣይ ዲግሪን ሳልሳይ ዲግሪን፤ ብስሩዕን ዘይስሩዕን ፕሮግራም ትምህርቶም ዝዛዘሙ ኢዩ ኣመሪቑ ዘሎ፡፡

ንፈለማ እዋን እውን ሓደ ተመራቒ ብዶክትሬት ዲግሪ ኣመሪቑ፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ዳማጠው ዳርዛ፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፃንሒቶም ዘኻዕበቱዎ ፍልጠት ናብ ተግባር ብምቕያር ኣብ ምዕባለ ሃገሮም ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሳሙኤል ሁርቃቶ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ትምህርቲ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍራይ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም።

ተመረቕቲ ተምሃሮ እውን ብዝሰልጠኑዎ ሞያ ብሙሉእ ዓቕሞም ኣብ ምዕባለ ሃገር ከውዕሉዎ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብኣበበች ኬሻሞ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.