Fana: At a Speed of Life!

ድሕንነት መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ዛፖሪዢያ ከምዘተሓሳስቦም ፑቲን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሜር ፑቲን ምስ ፈረንሳይ መዘነኦም ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ጉዳይ ድሕንነት መፈልፈሊ ሓይሊ ኒውክሌር ዛፖሪዢያ ኣድሂቦም ዘቲዮም፡፡

ሩሲያ ኣብ ዛፖሪዢያ ዝተኸዘነ ጨረር ዘፈልፍል ሕፃብ ኒውክሌር ኣብ ልዕሊ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከብፅሕ ኢዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዋ ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም።

እዚ ድማ ምስ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ዩክሬን ተተሓሒዙ ሩሲያ ኣብ ስግኣት ከምዘእተዋ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝነበሮም ዘተ ስልኪ ዝሓበሩ።

እቲ ጉዳይ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንምንግልታዕን ስቓይን ከምዘቃልዕ እውን ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ተዛሪቦም፡፡

ሩሲያ ድሕንነት ናይቲ መፈልፈሊ ጣቢያ ኒውክሌር ብዝኸኣለቶ ኩሉ እናሓለወት ከምዝኾነትን ዩክሬን ካብተብፀሖ መጥቃዕቲን ዕንወትን ንኽትዕቀብ ግን ድፍኢት ምግባር ከምዘድሊ ንማክሮን ገሊፆምሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.