Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ሊያ ታደሰ ክታበት ኮቪድ 19 ናብ 92 ሃገራት ተበፃሒ ንምግባር ኣተሓባባሪት ኮይነን ንክሰርሓ ተሓሪየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ክታበት ኮቪድ-19 ናብ 92 ሃገራት ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣተሓባባሪት ኮይነን ንክሰርሓ ተሓሪየን።

እቲ ጉጅለ ምንቅስቓስ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ምትሕብባር ክታበትን ዝምራሕ እንትኸውን፥ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ናብ ኩለን ሃገራት ብፍትሓውነት ተበፃሒ ንኽኸውን ዝሰርሕ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ጉጅለ መተሓባበሪት ኮይነን ዝተሓረዩ፥ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢንዶኔዥያ ሬትኖ ማርሱዲን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ልምዓት ካናዳ ካሪና ጉልድን ኢዮም፡፡

እቲ ጉጅለ ከምዝገለፆ፥ ክታበት እቲ ቫይረስ ትሑትን ማእኸላይን እቶት ዘለወን 92 ሃገራት ዓለም ተበፃሒ ንኽኸውን ዝገብር ኢዩ፡፡

በቲ ጉጅለ ኣቢሉ ድማ እቲ ክታበት ካብ ለገስቲ ሃገራት ብምእካብ ን92 ሃገራት ብፍትሓውነት ክከፋፈል ኢዩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.