Fana: At a Speed of Life!

ዶ/ር ይልቃል ከፋለ ኣብ ባህርዳር ዝተሃነፁን ኣብ ስራሕ ዝርከቡን ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርከቡ ብሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝተሃነፁን ኣብ ስራሕ ዝርከቡን ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ዑደት ገይሮም።

እቶም ዑደት ዝተገበረሎም ኢንቨስትመንታት ኣብ ዘፈር ኣግሮ ኢንዱስትሪ ኢንቨስትመንት ፍሬሽ ብሉቨሪ ባህርዳር፣ ፍርያት ዕምበባ ባዮ ፍሬሽን ብሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ተሃኒፆም ሙሉእ ብሙሉእ ምፍራይ ዝጀመሩ ፋብሪካ ሓፂነ መፂንን ሙሌ ዘበናዊ መቀነባበሪ መኖ እንስሳትን ፋብሪካ ኣማር መፍረዪ ሲሚንቶን ኢዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መጠቓለሊ ዑደቶም፥ መንግስቲ እቲ ክልል ብምስፍሕፋሕን ሰብ ሃፍቲ ብምስሓብን ዕሙቕ ሃፍቲ ኣብ ረብሓ ንምውዓልን ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ድኽነት ንምውጋድ ዝግበር ፃዕሪ ዝቕፅል ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

“ሰብ ሃፍቲ ዝገጥሙዎም ፀገማት ንምፍታሕን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ሓገዝ ንምግባርን መንግስቲ እቲ ክልል ቆራፅ ኢዩ” ምባሎም ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.