Fana: At a Speed of Life!

ጆ ባይደን ኢኮኖሚ ኣሜሪካ ንምብርባር ናይ 1 ነጥቢ 9 ትሪልየን ዶላር ሓገዝ ከምዝሰልዑ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሩፅ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ነቲ ብለበዳ ቫይረስ ኮሮና ተሃስዩ ዘሎ ቁጠባ ሃገሮም ንምብርባር ናይ 1 ነጥቢ 9 ትሪልየን ዶላር ሓገዝ ሰሊዖም ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ጆ ባይደን ነዚ ዘፍለጡ፥ ዝመፅእ ሰሙን ስልጣን ተረኪቦም ስርሖም ቅድሚ ምጅማሮም እዩ።

እቲ ትልሚ ብባይቶ እታ ሃገር እንተፀዲቑ፥ 1 ትሪልየን ዶላር ንስድራቤታት ዝተሰልዐ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ኣሜሪካዊ 1 ሺሕን 400 ዶላር ክወሃብ እዩ።

እቲ ናይ ደገፍ ትልሚ 415 ቢልየን ዶላር ነቲ ቫይረስ ኣብ ምቅላስ ከምኡ’ውን 400 ቢልየን ዶላር ንነኣሽቱ ዋኒናት ዝኸውን ሓገዝ ዝሓቖፈ እዩ ተባሂሉ።

ኣባል ዴሞክራት ጆ ባይደን ነቲ ህይወት ልዕሊ 385 ሽሕ ኣሜሪካውያን ዝቐዘፈ ቫይረስኮሮና ከም ዝስዕሮ ተስፋ መግባሮም ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.