Fana: At a Speed of Life!

ገበን ብኻሊእ ገበን ንምእራም ምፍታን ዘይሕጋዊነት ኢዩ – ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ገበን ብኻሊእ ገበን ንምእራም ምፍታን ዘይሕጋዊነት ኢዩ ክብል ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያን ኣብ መምለኺ በቦታ ኣመንቲ ፕሮቴንስታትን ዝተፈፀመ ዘሕሕጋዊን ተግባር ገበንን ከምዝኹንን ኣፍሊጡ።

እቲ ተግባር ብዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ተቐባልነት ዘይብሉ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፤ ደረቕ ገበንን ብሕጊ ዘሕትትን ዝግበኦ ተግባር ምዃኑ ጉባኤና ብፅኑዕ የኣምን” ኢሉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ዝተፈፀመ ዘነውር ተግባር ኣጥቢቑ ብምኹናን ትማሊ መግለፂ ከምዘውፀአ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ገበን ብኻሊእ ገበን ንምእራም ዝግበር ፈተነ ከይህሉ ኣገንዚቡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

“ይኹን እምበር ትማሊ ብዝኾነ ሓዚንና እንተይወዳእና እዚ ምፍጣሩ ኣዚዩ ኣሕዚኑና ኢዩ” ኢሉ፡፡

ኩሎም ሃይማኖታት ሰላም ዝሰብኩ፣ ትሕትና ዘምህሩን ንካልኦት ምንባር መስዋእትነር ብዛዕባ ምኽፋል ዝግበአን ከምዝኾነ ዝፍለጥ ይኹን እምበር ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ዝፍፀም ኩሉ ዘይሕጋዊን ደረቕ ገበንን ከምዝኾነ ተፈሊጡ መንግስቲ ሕጊን ስርዓትን ንኽሕሉ ጉባኤ ኣጥቢቑ ሓቲቱ፡፡

መንግስት ሕግና ስርኣትን ለማስፈፀም እንዲችል ቀደም ብሎ ያወጣቸውን ህጎችን ሁሉ ተፈፃሚ ሊያደርግ ይገባል፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.