Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረታ ኣፍሪካ ካብ ወትሩ ብዝለዓለ ኣገልግሎት ምትእንጋድ የድሊ – ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ. ቢ.ሲ)መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረታ ኣፍሪካን መበል 40 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሚኒስትራት ቅድመ ምድላው ብምድሃብ ኣባላት ብሄራዊ ኮሚቴ ምድላው ዝተሳተፉሉ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ቅድመ ምድላው ዝተዳለወ መበገሲ ትልሚ ብምትኳ ልዝብ ተገይሩ።

ነቲ ዘተ ዝመርሓ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፥ “ሃገርና ብፍላይ ኣብዚ እዋን ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካን ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲን ንኽተካይድ ዕድል ምርካባ ዓቢዪ ዓወት ስለዝኾነ፤ እቲ ጉባኤ ካብ ወትሩ ብዝለዓለ ኣገልግሎት ምትእንጋድ ይግባእ” ኢለን።

ኮቪድ-19 ካብ ዝኽሰት ንደሓር ንፈለማ እዋን ብኣካል ዝካየድ አጉባኤ ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዘጋጠማ ፀገም ስዒቡ ዝተኸፈታ ተግባር ምብልሻው ምስሊ ስሕተት ምዃኑ ተርኢየሉ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነን ጥንኩር ዝተዋደደ ስራሕቲ ምስላጥ ኣድላዪ ከምዝኾነን ገሊፀን።

ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጀሚሩ ክሳብ ሓፈሻዊ እዋን ፃንሒቶም ኣብ ዘሎ እዋን ኣጋይሽ ዝኾነ ዓይነት ፀገም ድሕንነት ኢሉ እውን ፀገም ኣገልግሎት ከይገጥሞም ክገብሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ምድላዋት ዝምልከት ሓሳብ ቀሪቡ ምይይጥ ተኻይዱ።

እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ብኩሉ መዳይ ዝተዋደደ ስራሕ ብምስራሕን ኣፍሪካዊ ምትእስሳር ዘግሉሁ እንግዶታት ብምግባር ፅቡቕ ምስሊ ኢትዮጵያ ምርኣይ ከምዝግባእ ምሕባሩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.