Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግማይ ምልዕዓል ኲናት ምጅማሩ እቲ ጉጅለ ብዘይኲናት ምንባር ከምዘይኽእል ዘርእይ ኢዩ-ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ ፣5 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግማይ ምልዕዓል ኲናት ምጅማሩ እቲ ጉጅለ ብዘይኲናት ምንባር ከምዘይኽእል ዘርእይ ኢዩ ክብሉ ምሁራን ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብኣቐበልቲ ቃሉ ኣቢሉ ኣብ ክልል ተግራይ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናዞረ ምልዕዓል ኲናትን ምድላውን ይገብር ከምዘሎ ዘርእዩ ሓበሬታታት ይወፅኡ ኣለዉ።

ኣብቶም ናይ ጎስጓስ መድረኻት፥ ንህዝቢ ኣገዲድካ ምዝማት፣ ስንቂ ከዋፅኡ ምግባርን ብዘይ ዕድመ ገደብ ዝመቱ ዝብሉ ፅዕንቶታትን ካብቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ እናቐረበ ይርከብ።

በቢከባቢኡ ዝተገበሩ መድረኻት ላዕለዎት ሰብ መዚ እቲ ጉጅለ እናተሓነዩ ተራኢዮም ኢዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክባትን ሱራፌል ጌታሁን፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዘይ ኲናት ክነብር ሰለዘይኽእል ዳግም መገዲ ጥፍኣት ከምዝመረፀ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ምርግጋእን ንጥፍኣቱ ሰለዘቃልዖ ኩሉ እዋን ፀላኢ እናፈጠረ ማሕበራዊ ዕረፍቲ ከምዝኸልኦ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር መምህር ሕጊን ተመራማሪን ኣዳነ ማንዴ ብግደኦም፥ እቲ ጉጅለ ዳግም ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድሌት ዝሓደሮ ዘይተሳኸዐሉ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ሕልሙ ጋህዲ ንምግባር ኢዩ ኢሎም፡፡

ካብ መገዲ ጥፍኣቱ ጠጠው ንምባል ብፍላይ ሙሁራንን ህዝቢን ትግራይ ይኣኽለካ ክብሉዎ ከምዝግባእ እቶም ሙሁራን ተዛሪቦም፡፡

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ጠጠው ብምባልን ብዝኸፋፍሉ ዛዕባታት እንተይተጭበርበረ ሃገሩ ክሕሉ ይግባእ እውን ኢሎም ምስ ፋና ሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.