Fana: At a Speed of Life!

ጋንታታት ፕሪሜርሊግ ልዕሊ 3 ናይ ወፃኢ ተፃወትቲ ከፈርማ ኣይኽእላን – ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝውውር ናይ ወፃኢ ሃገራት ኣመልኪቱ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዘበነ ውድድር 2014 ዓ.ም ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዝሳተፋ ጋንታታት ልዕሊ 3 ናይ ወፃኢ ተፃወትቲ ከፈርማ ከምዘይኽእላ ወሲኑ።

ቅድም ክብል ኣብ ዝነበረ መምርሒ ዝውውር ተፃወትቲ መሰረት ብምግባር ሓንቲ ጋንታ ክሳብ ሓሙሽተ ናይ ወፃኢ ተፃወትቲ ዘፈርማሉ ኣሰራርሓ ካብ 2014 ዓ.ም ቁፅሩ ብምንካይ ሰለስተ ተፃወትቲ ጥራሕ ከፈርማ ከምዝኅእላ እቲ ፌሰዴሬሽን ሎሚ መዓልቲ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ላዕለዋይ ሊግን ቀዳማይን ሊግ (ብሄራዊ ሊግ) ተሳተፍ ዝኾ ጋንታታት ድማ ዝኾነ ይኹን ናይ ወፃኢ ሃገር ተፃዋቲ ከፈርማ ከምዘይኽእላ ምግላፁ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.