Fana: At a Speed of Life!

ግልጋሎት ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ቁፅሪ ተሳፈርቲ ነክዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ግልጋሎት ትራንዚት ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ቁፅሪ ተሳፈርቲ ብምንካይ ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ።

ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ እቲ ስጉምቲ ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጠን።

ሕብረተሰብ ኣብ ትራንስፖርት ዝረአ መጠን ምንኽኻእ ብምንካይ፥ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግቡኡ ክፍፅም ከምዝግባእ እውን እተን ሚኒስትር ኣተሓሳሲበን።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ ዶክተር ስንታየሁ ወልደሚካኤል ብግደኦም፥ ቅድሚ ሕዚ እናተገበሩ ኣብ ዝነበሩ ምልልሳት ኣብ መዓልቲ ንልዕሊ 120 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ግልጋሎት ይወሃብ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ግን ኣብ ተሳፈርቲ ዝፍጠር ምኽኻእ ንምንካይ ኣብ መዓልቲ ካብ 48 ክሳብ 50 ሺሕ ንዝኾኑ ሰባት ጥራሕ ኣገልግሎት ንኽወሃብ ከምዝተወሰነ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ናብ ባቡር ንምእታው ኣብ ዝህሉ ታራ ድማ ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቐት ንምሕላው ዘኽእል ምልክት ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ባቡር ዝህሉ ምጭንናቕ ንምንካይ ኣብ ወምበር ርሕቐቶም ንኽሕልዉ ከምዝግበር እውን ዶክተር ስንታየሁ ኣብሪሆም።

ኩሎም ተሳፈርቲ ናብ ባቡር ቅድሚ ምእታዎም ታራ እባ ዝሕዙሉ እዋን ኣእዳዎም ብኣልኮል ከፅርዩ ብምግባር፤ እቶም ተሳፈርቲ ምስወረዱ ድማ ካልኦት ቅድሚ ምእታዎም እተን ባቡራት ኬሚካል ነፀጋ ከምዝፍፀምለን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.