Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን  በዓል ኢሬቻ ብሰላም ንክኽብር ምድላዋቱ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ብሰላም ንክኽብር ኣፍላይ ዘበለ ቅድመ-ምድላዋት ከምዝዛዘመ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ምስ ኣባገዳታትን ዓበይቲ ዓድን ብምዃን በዓል ኢሬቻ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ንክኽበር ዝተገበረ ምድላው ብዝምልከት ዘተ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ ንበዓል ኢሬቻ ሎሚ ዘበን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ከምዝዕደሙ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ድማ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ስፍሕ ዝበሉ ምድላዋት እናገበረ ከምዝፀንሐን ከምዝዛዘመን ነቶም ኣባገዳታት ኣብራህሪሆም፡፡

ብሓፈሻ እቲ በዓል ብሰላም ንክኽበር ብሓይሊ ሰብን ብቴክኖሎጂን እኹል ምድላው ከምዝተገበረ እውን እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ወሲኾም ገሊፆም፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.