Fana: At a Speed of Life!

ተግባር ፅሕተራ ኲናት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ኢዩ ክብሉ ምሁራን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዳግም ናብ ኲናት ንምስዋር ይዳሎ ከምዘሎ ምሁራን ገሊፆም።

እቶም ምሁራን ከምዝበልዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል እናተዘዋወረ ንህዝቢ ናብ ኲናት ንምስዋር የለዓዕል ከምዘሎ ዘርእዩ ሓበሬታታት ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ እቲ ግብረ ራዕዲ ብፃሕታሪ ተግባሩ ይቕፅል ከምዘሎን ንህዝቢ ትግራይ ናብ ሓደጋ የውድቕ ከምዘሎን ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ምሁር ሕጊን ፖለቲካ ሳይንስን ገሊፆም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምንፃል ኣዕናዊ ፕሮፓጋንዳ ይሰርሕ ከምዘሎ ምሁር ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ሱራፌል ጌታሁን ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ካብ ናይ ትማሊ ስሕተቱ ዘይምምሃሩ ብምሕባር ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ናይ ጥፍኣት ተግባሩ ከምዝርከብ እቶም ሙሁር ኣብሪሆም፡፡

ሙሁር ሕጊ ዝኾኑ ልጃለም ጋሻው ብግደኦም፥ “እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ኢለ ይበል እምበር ካብ ህዝቢ ብተፃራሪ ጠጠው ምባሉ ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ” ኢሎም፡፡ እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓዳ ዘውድቑ ተግባራት ከምዘድሃበ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ሓደጋ ህልውንኡ ከምዝኾ ብምግንዛብ ንተግባር ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ክተሓባበር ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም።

ጥፍኣት ህወሓት ከይድገም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብሓባር ጠጠው ብምባል ሃገሩ ካብ ጥፍኣት ንኸድሕን እውን እቶም ሙሁር ፀዊዖም፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.