Fana: At a Speed of Life!

ግድብ ህዳሰ ማይ ንምምላእ ዘኽእል 1 ሺሕ ሄክታር መሬት ናይ ምፅራግ ስራሕቲ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ንምምላእ ዘኽእል 1 ሺሕ ሄክታር መሬት ናይ ምፅራግ ስራሕቲ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝጅመር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣፍሊጡ።

እቲ መሬት ንምድላው 300 መናእሰይ ብማሕበራት ደቀቕትን ኣናእሽተይ ከምዝተወደቡ ተሓቢሩ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ከምዝበልዎ፥ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ድሕሪ ለውጢ ብቕልጡፍ ንምዝዛም ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ።

ናይዚ ከም ሓደ መርኣዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ግድብ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2012 ዓ.ም ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ  ማይ ንምምላእ ዘኽእል ስራሕቲ ንምስራሕ እቲ ክልል ይዳሎ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ነዚ እውን ግድብ ህዳሰ ማይ ንምምላእ ዘኽእል 1 ሺሕ ሄክታር መሬት ናይ ምፅራግ ስራሕቲ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝጅመር ተዛሪቦም።

እዚ ንምፍፃም ዘኽእል 25 ሚሊየን ብር ከምዝተሰለዐ ድማ ኣፍሊጦም።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ብግደኦም፥ ህንፀት እቲ ግድብ ብዝተቐመጠሉ ገደብ እዋን ንምዝዛም ርብርብ ይግበር ኣሎ ኢሎም።

ማይ ንምሓዝ ኣብ ዝተዳለወ ግድብ ውሽጢ ዝትከሉ ስራሕቲ ሓፂነ መፂን ተዛዚሞም ኮንክሪት ይምላእን መዓፁ መቆፃፀርቲ መእተዊ ማይ ይግጠሙን ከምዘለዉ ገሊፆም።

ኣጠቓላሊ ኣፈፃፅማ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 73 ነጥቢ 7 በፂሑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.