Fana: At a Speed of Life!

ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ።

ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተቛረፁ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪሜርሊግ እንግኒዝ ድሕሪ 100 ሎሚ መዓልቲ ክጅምሩ ኢዮም።

ብዝተገበረ ስምምዕነት መሰረት እቶም ዝተረፉ ግጥማት ብዘይ ደገፍቲ ዝካየዱ ምዃኖም፥ እብቶም ግጥማት ዘሎ ትፅቢት ዝተፈራረቐ ኮይኑ ኣሎ።

ደገፍቲ ናብ ሜዳ ዝምለስሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝርርባት ይካየዱ ከም ዘለዉ መካያዲ ስራሕ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሪቻርድ ማስተርስ ገሊፆም።

ምስ ሰብመዚ መንግስቲ ልዝብ ይግበር ከም ዘሎ ዝገለፁ ሪቻርድ ማስተርስ፥ ደገፍቲ ናብ መየዳ ዝምለሱሉ እዋን ግን ብንፁር ኣይተፈለጠን።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ፥ ምሸት ሰዓት ክልተ ጋንታታት ኣስቶን ቪላን ሸፊልድ ዩናይትድን ክራኸባ ኢየን።

ምሸት ሰዓት 4 ርብዒን ድማ እቲ ብዙሕ ትፅቢት ዝግበረሉ ግጥም ጋንታታት ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ክካየድ ኢዩ።

እታ ብ25 ነጥቢ ኣፈላላይ ነቲ ሊግ ትመርሖ ዘላ ጋንታ ሊቭርፑል ድሕሪ 30 ዓመታት ዋንጫ ንምዕታር ክልተ ፀወታታት ጥራሕ ምስዓር ዘድልያ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ኣርባዕተ ደረጃ ንምእታውን ንዘይምውራድን ዝግበሩ ግጥማት ግን ልዑል ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.