Fana: At a Speed of Life!

ጠለባት ሰብኣዊ ሓገዝ ብርእሰ ዓቕሚ ንምፍታሕ ዘኸእል ፖሊሲ ተሓንፂፁ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጠለባት ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ብርእሰ ዓቕሚ ንምፍታሕ ዘኸእል ፖሊሲ ተሓንፂፁ ኣብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ሽፈራው ተ/ማርያም (ዶ/ር)÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጠለባት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምላስ ዘኽእል ፖሊሲ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ከምዝፀደቐ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ፖሊሲ÷ ብቐንዱ ጠለባት ሰብኣዊ ሓገዝ ብርእሰ ዓቕሚ ብምፍታሕ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ምንካይን ብሕፅረት ምግቢን ስነ ምግቢን ዘጋጥም ፀገም ንምፍታሕ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ከይዲ ምንካይ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ባህሊ ምትሕግጋዝን መፍረያይነት ምዕባይን ቀዳማይ እንትኸውን÷ ብፍላይ ብሕፅረት ምግቢን ስነ-ምግቢን ተጎዳእቲ ዝኾኑ ህፃናትን ኣዴታትን ትኹረት ዝገበረ ስራሕ ከምዝሳለጥ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.