Fana: At a Speed of Life!

ጣሊያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ሓደጋ ድርቂ ምግጣሙ ስዒቡ ኣዋጅ ህፂፅ እዋን ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ 70 ዓመት ታሪኻ ኣጋጢሙ ብዘይፈልጥ ሓደጋ ድርቂ ምግጣሙ ስዒቡ ኣዋጅ ህፂፅ እዋን ኣዊጃ።

እቲ ድርቂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅድም ክብል ሲሶ ቀረብ ፍርያት ሕርሻ እታ ሃገር እናሸፈነ ኣብ ዝነበረ ከባቢ ሩባ “ፖ” ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ሙዉቕን ደረቕን ንብረት ኣየር ብዘስዐቦ ድርቂ ንዝተጎድአ ክፋል ሕበረተሰብን ትካላትን ማይ ነናብ ገዝኡ ንምብፃሕን ኩነታት ንምፅርን መንግስቲ እታ ሃገር ተወሳኺ ገንዘብን ሓይሊን ንምትእኽኻብ ዝሕግዞ ኢ ተባሂሉ።

ሩባ ፖ ዝዓበየ ሩባ ጣሊያን እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምዝደረቐን ሓረስቶት እታ ሃገር ከምዝተፀገሙን ተሓቢሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒትር እታ ሃገር ማሪዮ ድራጊ ንዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ምላሽ ዘተሓባብር ኮሚሽነር ንምሻም እናሓሰቡ ከምዝኾኑ ምግላፆም ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.