Fana: At a Speed of Life!

ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቢሸፍቲ ንኣገልግሎት ድሉው ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕሊ 25 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ብምግባር ዝተሃነፀ ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቢሸፍቲ ንኣገልግሎት ድሉው ኮይኑ።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፥ እቲ ጣቢያ 400/230/15 ኪሎ ቮልት ዘለዎ ልዑል መከፋፈሊ ሓይሊ ኢዩ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ዳዊት ገብረእግዚአብሄር ከምዝበልዎ፥ ስራሕቲ ፍተሻን ፈተነን ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ኣሎ።

ካብ ነባር ኣቃቂ-ገላን ብምብጋስ ክሳብ ቢሸፍቱ መከፋፈሊ ዘሎ ዝርገሐ መስመር መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ  እውን ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

መሃንዲስ ተቖፃፃሪ ሳየት ፕሮጀክት ኣይተ ዘውዱ ለገሰ፥ እቲ መከፋፈሊ ጣቢያ በዓል 600 ሜጋ ቮልት ኣምፒርን ክልተ ብዓል 50 ሜጋ ቮልት ኣምፒርን ትንስፎርመራት ከምዝተተኸሉ ኣብሪሆም።

እቲ ጣቢያ መከፋፍሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምህናፁ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱን ከባቢኣን ንዝርከቡ ግዙፋት ኢንዱስትሪታትን ምንቅስቓስ ልምዓትን ከምኡውን ሕብረተሰብ ንዘቕርቦ ሕቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምላሽ ክህብ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.