Fana: At a Speed of Life!

ፀሎተ ሓሙስ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓሙስ ፅግቦ(ፀሎተ ሓሙስ) ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ።

ሓሙስ ፅግቦ ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርሰቲያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ትሕትና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘርእይ መገዲ ብዝተፈላለዩ ስነ ሰርዓታት ተኸቢሩ ዝዉዕል ኢዩ።

ስለዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ መዓልቲ እግሪ ሃዋሪያት ብምሕፃብ ፍፁም ትሕትና ዘምሃረሉ ስርዓት ብምዝኽኻር እዩ እቲ በዓል ተኸቢሩ ዘሎ።

ብመሰረት እዚ እቲ ስነ ስርዓት ኣብ መንበረ ፀባኦት ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን፥ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ናይ ብፁኣን ጳጳሳት፣ ጳጳሳት ናይ ቆሞሳት፣ ካህናት ናይ ምእመናት እግሪ ብምሕፃብ ኣርኣያ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ነቲ ስርዓት ፈፂመምዎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካዊያን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ልደታ ማሪያም ካቶሊክ ካቴድራል እቲ ሰርዓት ተኸቢሩ ኢዮ።

ኣብቲ ስነስርዓት ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል ሓዊሱ ካሂናት እታ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝተረኸብሉ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነስርዓታት ተኸቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.