Fana: At a Speed of Life!

ፀገማት ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ንኽፍትሑ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ብምትሕብባር ክትሰርሕ ኢያ –  ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፤ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ፀገማት ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ንኽፍትሑ ምስ ፈተውቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ÷ “ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ዓለም ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓኣን ድሌታን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ርክባት ወፃኢ ክተሰጉም ኢያ” ኢሎም።

ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ድሕንነትን ሃገር ዝተደረኸ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ኣብ ተለዋዋጢ ዓለም ኢትዮጵያ ትወስዶም ቅዋማት ብመንፅር ብሄራዊ ረብሓኣ ብምምዛን ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ማእኸላይ ምብራቕ ብመንፅር ዘለዋ መልክዓ ምድራዊን ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢን÷ ቅልውላው እቲ ዞባ ንብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ቀጥተኛ ትርጉም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዞባ ፀገማት ንኽፍትሑን ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓታታ ንኽኽበሩን ምስ መሓዙት ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ብምትሕብባር ከምትሰርሕ ገሊፆም።

ኣብ ስእነት ሰላም ዝርከባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን ንኽረጋገፅ ኣበርቲዓ ከምትሰርሕ እውን ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.