Fana: At a Speed of Life!

’ፃዊዒት ሓደ ሚሊዮን ናብ ኢ/ያ’  ናውቲታት ጥዕና ሓገዝ ምግባር ዘኽእል ወፍሪ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ታሕሳሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)‘ሓደ ሻንጣ ንወገነይ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተጀመረ ምንቅስቃስ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ዲያስፖራታት ሓገዝ መድሓኒት ሒዞም ንክመፅኡ ዝክእል ዕላማ ዘለዎ ወፍሪ ከምዝተጀመረ ግዜኢ ካብ መታሓባበርቲ ወፍሪ ’የኣክል’ #NoMore’ ዝረኸቦ ሓበሬታ ፀብፂቡ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋርን ኣምሓራን ዝፈፀሞ ወራር ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ትካላት ጥዕና ብዝፈፀሞ ዕንወትን ዘረፋን ትካላትን ወገናትን ንፀገም ከምዝተሳጥሑ ዝፍለጥ እዩ፡፡

ብርክት ዝበሉ ወገናት ግልጋሎት ጥዕና ዝረክብሉ ናውቲታት ስለዘድልዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዲያስፖራታት  ናውቲታት ሕክምና ሒዞም ንክመፅኡ ፃዊዒት ቀሪቡ፡፡

ናብ ኢትዮጵያ ከመፅኡ ዘይኽእሉ  ዲያስፖራታት ድማ ሓገዞም ብኻሊእ ሰብ ብምልኣኽ ንክሕግዙ መታሓባበርቲ እቲ ወፍሪ ተላቢዮም፡፡

እቶም ዲያስፖራታት ዘምፅእዎም ሓገዝ ናውቲታት ጥዕና ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምትእኽኻብ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ከምዘከፋፍልዎ ተሓቢሩ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.