Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ዓለም ለኸ መዓልቲ ፅሬት ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ፅሩይ ቤት ትምህርቲ ንትውልዲ” ብዝብል መሪሕ ቃል መርሃ ግብሪ ምንቕናቕ ዓለም ለኸ መዓልቲ ፅሬት ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶ/ር ኢ/ር ጌታሁን መኩሪያ፣ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢ/ር ኣይሻ መሓመድ፣ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ኣተሓባባሪ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት መንግስቲ ኣይተ ጃንጥራር አባይ፣ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ተምሃሮ፣ መምህራንን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ “እቴጌ መነን የልጃገረዶች ኣዳሪ” ኣፅሪዮም።

ሎሚ ዘበን ዝካየድ ዓለም ለኸ መርሃ ገብሪ ወፍሪ ፅርየት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ምክጀያዱ ብኮቪድ 19 ንከይጥቅዑ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ፅሩያት ኣብያተ ትምህርቲ ንምፍጣር ከምዘኽእል ኣብቲ ወፍሪ ፅርየት ተገሊፁ።

ፍልፍል:- ፕሬስ ሴክሬታሪያት ከተማ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.