Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ “ድምፅና ንነፃነትናን ሉኣላዊነትናን” ብዝብል መሪሕ ቃል ንዝግበር ሰለማዊ ሰልፊ ንግዚኡ ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ተገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ “ደምፅና ንነፃነትናን ሉኣላዊነትናን” በዝብል መሪሕ ቃል ነዝግበር ሰለማዊ ሰልፊ ንግዚኡ ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ተገይሮም።

እቲ መርሃ ግብሪ ብሰላም ንክዛዘም ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ምድላዋቶም ብምዝዛም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ እቲ ኮሚሽን ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ካብ ንጎሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ መናእሰይ፥ ንናይ ሓባር ድሕንነት ክበሃል ተፍቲሽ ከምዝህሉ ተገሊፁ።

ምጭንናቕ ትራፊክ ንከይህሉ፦

  • ካብ ቅዱስ ኡራኤል ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ኦሎምፒያ ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ኣራተኛ ክፍለ ጦር ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ለገሃር ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ጎማ ቁጠባ ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ኣራት ኪሎ ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ካዛንቺስ ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ጥቁር ኣንበሳ ሼል ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ቴዎድሮስ አደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ንግድ ማተሚያ ቤት ናብ መስቀል ኣደባባይ
  • ካብ ሜትሮሎጂ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስዱ መገዲታት እቲ መርሃ ግብሪ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ንተሽከርከርቲ ዕፁው ክኾኑ ኢዮም ተባሂሉ።

ሕብረተሰብ ሓበሬታ ንምሃብ ወይ ኣገልግሎት ፖሊስ ንምርካብ ብ011-1-11-01-11 ወይ ነፃ ስልኪ መስመር 991 ምጥቃም ከምዝከኣል ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.