Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ቅድሚ ኦሊምፒክ ፓሪስ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ንሩሲያ ሕቶ ክተቕርብ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ቅድሚ ኦሊምፒክ ፓሪስ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ንሩሲያ ሕቶ ክተቕርብ ምዃና ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣፍሊጦም፡፡

ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳይ ክካየድ ኢዩ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ፀወታታት ኦሊምፒክ ቅድሚ ምጅማሮም ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ንሩሲያ ከምዝሓቱ ፕሬዚዳንት ማክሮን ገሊፆም፡፡

ከም ፀብፃ ኣርቲ÷ እቶም ፕሬዚዳንት “ንሩሲያ እነቕርቦ መልእኽቲ ሰላም ክህሉ ኢዩ፤ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽግበር ክንሓትት ኢና፤ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ኦሊምፒክ ዝህቦ ውሳነ እውን ክንክተል ኢና” ኢሎም፡፡

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ኦሊምፒክ÷ ኣሌታት ሩሲያን ቤላሩስን ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓለም ለኻዊ ውድድራት ስፖርት ከይሳተፉ ማዕቐብ ምንባራ ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.