Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገራ ዝኣተዉ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ክትምልስ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳይ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገራ ዝኣተዉ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ክትምልስ ምዃና ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ካብ 15 ክሳብ መፈለምታ 20 ክፍለ ዘበን ኣብ ዘለዉ ዓማውቲ ዝተሰርሑ እቶም ሓድጊታት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ፈረንሳይ ምስተጓዓዙ ኣብ ፓሪስ መዕርፎ ነፈርቲ ሮይሲ ዝተትሓዙ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይን በዓል መዚ ጉምሩኽን ኣብቲ ጉዳይ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ እቶም ሓድጊታት ኣብ ዝቕፅ ወርሒ ሰነ ከምዝምለሱ ተሓቢሩ፡፡

ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ፈረንሳይን ኢትዮጵያን ዝጀመራሉ መበል 125 ዓመት ኣብ ዘኽብሩሉ እዋን ምምላስ እቶም ሓድጊታት ምምላስ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘፈር ባህሊ ዘለወን ጥንኩር ምትእስሳር ዘመላኽት ከምዝኾ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.