Fana: At a Speed of Life!

ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብተግባር ይድግፉ ኢዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 323 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈጣሪ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብተግባር ይድግፉ ኢዮም ተባሒሎም ዝተጠርጠሩ 323 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቶም ተጠርጠርቲ ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ እውን ገሊፁ።

ኮሚሽነር እቲ ኮምሽን ጌቱ ኣርጋው ደበላ÷ ካብ መንጎ ዝተጠርጠርሉ ንኣሸባሪ ህወሓት ምድጋፍ፣ መሳርሒ ኩናት ሒኢዝካ ምርካብ፣ ሕገ መንግስቲ ምንኣስ፣ ሰንደቕ ዕላማ ምውራድ፣ ሓሽሽ ምስሓብን ቁማር ምጭዋትን ይርከብዎም ኢሎም።

ኣብ መንበሪ እቶም ተጠርጠርቲ ብፍቓድ ቤት ቤት ፍርዲ ብዝገበረ ተፍቲሽ ኣልባሳት ፍሉይ ሓይሊ፣ ሽጉጣት፣ ክኣሽንን ጥይቲን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኩይናት ከምዝተረኸቡ ገሊፆም።

ምስቶም ተጠርጠርቲ ርክብ ኣለዎም ዝበሃሉ ትካላት ንግዲ እውን ተዓሽጎም ምርመራ ይገበረሎእ ኣሎ ኢሎም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.