Fana: At a Speed of Life!

ፊሊፒንስ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ንግዲ ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፊሊፒንስ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ንግዲ ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለዋ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ፈርዲናንድ ቦንቦንግ ማርከስ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፊሊፒንስ ብምዃን ዝተሾሙ ኣምባሳደር ደሴ ዳልኬ ደብዳበ ሹመቶም ፕሬዚዳንት ፊሊፒንስ ፈርዲናንድ ቦንቦንግ ማርከስ ጁኒየር ኣቕሪቦም።

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትርከበሉ ደረጃን እናርአየቶ ትርከብ ምዕባለን ንመላእ ዓለም እናግረመ ከምዝርከብ እቶም ፕሬዚዳንት ንኣምባሳደር ደሴ ገሊፆምሎም፡፡

ኣምባሳደር ደሴ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ብንግዲን ኢንቨስትመንትን ዓሚቕ ዓቕሚ ከምዘለዋን ወናኒት እናዓበየ ዝረከብ ኢኮኖሚን ከምዝኾነት ፀሪሖም።

መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣኣ እውን ኣፍሪካ ንሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ምዕራባውያንን ዘራኽብ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሰብ ሃፍቲ ፊሊፒንስ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም እንተፍሲሶም ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከብ ዕዳጋ ተጠቀምቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ምግላፆም መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።

ፊሊፒንስ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 17 ለካቲት 1977 ኣትሒዙ ዝተመስረተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.