Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ መሰልጠኒ ቴክኒክ ውግእ ኣዋሽ ኣርባ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ መሰልጠኒ ቴክኒክ ውግእ ኣዋሽ ኣርባ ዑደት ገይሩ፡፡

ኣብ እዋን እቲ ዑደት እቲ መሰልጠኒ ኣብ ሜዳን ኣብ ክፍሊን እናሃቦ ዝርከብ ከይዲ ስልጠና ብዝምልከት ነቲ ልኡኽ ገለፃ ተገይሩ።

እዋኑ ብዘፍረዮም ቴክኖሎጂታት ብፅሬት ሰብ ሞያ ሜካናይዝድ እናሰልጠኑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ውፅኢታት እቲ ቴክኖሎጂ÷ ኣብ ሜዳ ልምምድ ይወፅእ ዝነበረ ብረት ለበስ ተሽከርቲ፣ ነዳዲ፣ መለዋወጢ፣ ተተኳሲን ካልኦት ወፃኢታትን ከምዝንኪ ተሓቢሩ፡፡

ሰብ ሞያ ዝምረቑሉ ሜዳ መርአዪ ዘበናዊ ምርኢት ሰልፊ ሜካናይዝድ ከይዲ ህንፀቱ ሓዊሱ ሰልጠንቲ ኣብ ዝተፈላለየ ገፅ መሬት ብቀዋሚን ተንቀሳቓሲን ዒላማታት ልምምድ ዝገብሩሉ ወረዳታት ስልጠና ቦታ በቲ ልኡኽ ዑደት ተገይሩሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.