Fana: At a Speed of Life!

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ  ዝለዓለ ኒሻን  ደቡብ ሱዳን ተበርኪቱሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ደቡብ ሱዳንን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ሰራዊትን ሳልቫ ኬር ማያርዲት  ናይታ ሃገር ዝለዓለ ኒሻን ንላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣበርኪቶም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተሳለጠ ልዑል ስነ ስርዓት፥ መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ  ከምኡውን ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ንምኽባር ነፃነትን ልኡላውነትን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ንዝኸፈልዎ ልዒል መስዋእቲ ክብሪ ይግበኦም ብምባል እቲ ኒሻን ምብርካቱ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኬር፥  ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፀገምና መፅለሊትናን መፀጊዒትናን ኢያ ኢሎም።

ኣሽሓት ህይወት ብምኽፋል ከምሃገር ንክንቅፅል ዝገበረት ሃገር ከፊልና ዘይንውድኦ ውዕለታ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።ሠ

እቲ ሽልማት ንጅግናን ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምብርካቶም ኩርዓት ከምዝስመዖም ተዛሪቦም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ላዕለዎት ኢታማዦር ሹማት ከልቲአን ሃገራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሕንነት፣ ጄኔራል መኮንናትን ከምዝተረኸቡ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፌዴሪኢ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.