Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ብምትሕበባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ብምትሕበባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

ኣብቲ ሰነድ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሰላሌ ዶክተር ገናነው ጐፌን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስምሃር በቢዓውዱ ብቑዕ ሞያዊያን ንምፍራይ፣ ፀገም ዝፈትሑ ስራሕቲ ምርምር ብምፍፃኝ ናብ ተግባር ንምቕያርን ህይወት ማሕበረሰብ ንምልዋጥን ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝብል ዘድሃበ ኢዩ።

ብተወሳኺ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ዩኒቨርሲቲ ሰላሌን ኣብ ኩለመዳያዊ ሃገራዊ ምዕባላ ብሓር ክሰርሑ ኢዮም፤ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝስርሑ ማሕበረሰብ ተኮር ዛዕባታት ብሚዲያ ተበፃሕቲ ንምግባር ክተሓባበሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ እዋናዊ፣ ንህይወት ማሕበረሰብ ቀረባ ዝኾኑ፣ ለውጢ ዘምፅኡን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ሓበሬታታትን ብጣቢያታት ኤፍ ኢም፣ ሬዲዮ፣ ቴሌቪዥንን ዲጂታል ሚዲያን ብቋንቋታት ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብፅርየትን ቅልጣፈን ዘብፅሕ ብምዃኑ እቲ ዓቕሚ ነቲ ዩንቨርስቲ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኸውን ኣይተ ኣድማሱ ኣብ እዋን መንባር ክታም ተዛሪቦም።

ፋና ብቑዓት ሞያዊያን ሚዲያ ዘለውዎ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ኣድማሱ፥ ኣብ ዓውዲ ማሕበረሰብ ሬዲዮ ኣብ ዩንቨርስቲ ድሬዳዋ፣ ሃረማያ፣ ማሕበረሰብ ስልጤን ኣርጎባን ሃኒፁ ዘጣየሸ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ፋና ኣብ ዝሰርሖም ዓውዲታት ምርምርን ስልጠናን፣ ምስቲ ዩንቨርስቲ ተዋዲዱ ንምስራሕ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዶክተር ገናነው ጐፌ ብግደኦም፥ ትካሎም ብዙሓት ስራሕቲ እንትሰርሕ ምፅንሑ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ሕብረተሰብ ተኮር ስራሕቲ ብሓባር ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.