Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም ሰብ ሞያ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም ሰብ ሞያ ኣመሪቑ።

እቲ ትካል ብፎቶ ካሜራ፣ ቪዲዬ ካሜራ፣ ቪዲዮ ኤዲቲንግን ግራፊክስን ዘሰልጠኖም ሰራሕተኛታት ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢዩ ኣመሪቑ።

እቶም ሰልጠንቲ ንሓደ ወርሒ ብክልተ ዙር ስልጠነኦም ዝተኸታተሉ ከምዝኾኑ ድማ ተገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፥ ሃገር ደው እትብል ብኣካላት ፀፅታ ኢዩ፤ ስለዝኾነ ምስ ፖሊስ ፌዴራል ብምስራሕናን እቲ ትካል ንምግልጋል ዕድል ብምርካብናን ሕጉሳት ኢና ኢሎም።

ፖሊስ ፌዴራል ምግልጋል ክብሪ ኢዩ ብምባል፥ ኣብ ቀፃሊ በምውዳድን ምትሕብባርን ንምስራሕ ድልዋት ኢና ኢሎም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሓበሬታታት ብምእካብ ንኣካላት ፀፅታ ሓጋዚ ከም|ዝኾነ ተዛሪቦም።

ምክትል  ሓላፊ ዋና መምርሒ ምርመራ ፎረንሲክ እቲ ትካል ረዳት ኮሚሽነር ከተማ ደባልቄ ብግደኦም፥ ስልጠና ንስራሕቲ ፍትሒ ሓጋዚ ከምዝኾነን ነዚ ድማ ፋና ሓጋዚ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሎሚ ዝተመረቑ ሰልጠንቲ ንባዕልቶም ብዝተፈላለዩ መገዲታት ከምዘብቅዑ ኣተሓሳሲቦም።

ንዝተገበረ ደገፍ እወን አመስጊኖም።

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.