Fana: At a Speed of Life!

ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙለእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ሌንጮ ባቲ ደብዳበ ሽመቶም ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙለእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ሌንጮ ባቲ ቅዳሕ ደብዳበ ሽመቶም ናብ ሓላፊ ጉዳያት ፕቶኮል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ለመሻሪ ቢን ነሂት ኣቕሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ደብዳበ ሽመቶም ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ኩለመዳይ ምትሕብባር ብፍላይ ብፍላይ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትጵያን ኣመልኪቱ ዘሎ ምትሕብባር ኣብ ዝጠናኸረሉ ጉዳይ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ከይዲ መሊስካ ህንፀትን፣ ዞባዊ ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ውጥጥ ዶብን ብዛዕባ ግድብ ህዳሰን ኣመልኪቶም ነቶም ምክትል ሓላፊ ፕሮቶኮል መብርሂ ሂቦምዎም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዘፈራት ከምኡ እውን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ተሓባቢረን ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ምብፀሖም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.