Fana: At a Speed of Life!

ፍርያት ኢትዮጵያ ብብዝሒ ንምግዛ ድሌት ኣለኒ – ባህሬን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻምበር ንግዲን ኢንዱስትሪን ባህሬን ፍርያት ኢትዮጵያ ብብዝሒ ንምግዛእ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ባህሬን ኣምባሳደር ጀማል በከር፥ ምስ ኣቦ መንበር ቻምበር ንግዲን ኢንዱስትሪን ባህሬን ካሊድ አሊ ራሽድ ምትሕብባር ኢንቨስትመንት፣ ንግዲ፣ ቢዝነስን ቱሪዝምን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ጀማል፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንት፣ መበረታትዒታት፣ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸልን እፎይታ ታክሲን ከምኡ እውን ብሪፎርም ምኽንያት ዝተገበሩ ምምሕያሻት ሕጊን ኣሰራርሓን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣቦ መንበር ቻምበር ንግዲን ኢንዱስትሪን ባህሬን ካሊድ አሊ ራሽድ ብግደኦም፥ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኩለመዳይ ምትእስሳርን ምትሕብባርን ንግዲ፣ ኢንዱስትሪ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ንምጥንኻር ልዑል ድሌት ከምዘለዋ ገሊፆም፡፡

ፍርያት ኢትዮጵያ ብብዝሒ ንምግዛ ድሌት ከመዘለዋ ምግላጾም እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.