Fana: At a Speed of Life!

ፒኤስጂ ንመበል 11 ግዜ ዋንጫ ሊግ 1 ፈረንሳ ዓቲራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፒኤስጂ ብሸቶ ሊዮነል ሜሲ ንመበል 11 ግዜ ዋንጫ ሊግ 1 ፈረንሳ ዓቲራ።

ሜሲ ኣብ መበል 59 ደቒቕ፥ ኪልያን እምባፐ ዘቐበሎ ኵዕሶ ናብ ሸቶ ብምቕያር ፒኤስጂ ማዕረ ገይርዋ።

ፀወታ ብማዕረ ምዝዛማ ስዒቡ እታ ክለብ ተዓዋቲት ናይዚ ዓመት ዋንጫ ሊግ 1 ኰይና ኣላ።

ሊዮነል ሜሲ ዘመዝገባ ሸቶ ኣብ ኤውሮፓ መበል 496 ሸቶኡ እያ።

እዛ ሸቶ ድማ ኣብ ክርስትያኖ ሮናልዶን ሊዮነል ሜሲን ፍልልይ ፈጢራ ከምዘላ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ሜሲ ካብ ሮናልዶ ብሓንቲ ሸቶ ዝበለፀ እንትኸውን፥ ሜሲ ትማሊ ሰንበት ምሸት ዘመዝገባ ሸቶ ነታ ክለብ መበል 32 ሸቶኡ እያ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.