Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲታት ፖለቲካ ዓለም ኮቪድ-19 ኣብ ምቅላስ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ምጥንኻር ዘኽእል ጥምረት ንክፍጠር ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ፓርቲታት ፖለቲካ ዓለም ኮቪድ-19 ኣብ ምቅላስ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ምጥንኻር ዘኽእል ጥምረት ንክፍጠር  ፃውዒት ኣቕሪቦም።

“ኮቪድ-19 ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ይላባዕ ኣሎ” ዝበሉ እቶም ፓርቲታት፥ እቲ ለበዳ ንህዝቢ ዓለም ጭቡጥ ፈተናታት ጥዕና፣ ሰላምን ምዕባለን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ነቲ ኣፀጋሚ ፈተና ኣብ ምቅላስ ዝምልከቶም ዓለምለኻዊ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ኣካላት ዝተዋደደ ጥምረት ብምፍጣር ብሓባር ክቃለስዎ ይግባእ ኢሎም።

ስለዝኾነ እቶም ቀንዲ ቀንዲ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝተፈላለያ ሃገራት ድሕንነት ህዝቢ ዝሕሉ፣ ምዕባለ ሃገሮምን ምርግጋዕ ሰላም ዓለምን ንምሕላው ዘለዎም ሓላፍነት ኣብ ግምት ዘእተወ በዓል 10 ነጥቢ ናይ ሓባር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመሰረት እዚ ፓርቲ ብልፅግና፥ ዓለም ለኻዊ ምትሕብባር ብምፍጣር ምልባዕ ቫይረስኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ከምኡ’ውን ንምውጋድ ዝስርሑ ስራሕቲ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

ሃገራት ምልባዕ እቲ ቫይረስ ብኣግባቡ ምቁፅፃር እንተዘይክኢለን ኣብ ልዕሊ ጥዕና ደቂ ሰባት፣ ማሕበራዊ ህይወትን ርክብ ሃገራትን ኢሉ ውን ምትሕብባር ዝኸፍአ ጉድኣት ከምዝበፅሕ እቶም ፓርቲታት ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እተን ሃገራት ህይወት ዜጋታተን ዘቐድም ጠንካራ ስጉምቲ ብምውሳድ እቲ ዝመፅእ ጉድኣት ክከላኸላ ፃውዒት ቀሪቡ።

ዜጋታት ምልባዕ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ሓላፍነት ወሲዶም ክሕግዙ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ንምርግጋፅ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ልምዓትን ዝተዋደደ ኣካይዳ ክህሉ ከምዝግባእ ዝሓበሩ እቶም ፓርቲታት፥ ሃገራት ኣዝዮም ተቐላዕቲ ንዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብን ትካላት ንግዲ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን ቅድሚያ ክህባ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ቫይረስ ሓንቲ ሃገር ንበይና ፈሊዩ ዘየጥቅዕ ምዃኑ ብምግንዛብ እተን ሃገራት ብፍፁም ሰብኣዊነት ኮቪድ-19 ክቃለሳ ከምዝግባእ እውን ሓቲቶም።

ቫይረስኮሮና ቀዲሙ ዘጋጠመንን ምቁፅፃር ዝኸኣላን ቻይናን ካልኦት ሃገራትን እውን ግቡእ ሓበሬታ ብግልፅነት ብምሃብ ልምደን ከካፍላን እቲ ለበዳ ንምክልኻል ዓሊሙ ንዝግበር ፃዕሪ ክሕግዛን ከምዝግባእ ፃውዒት ቀሪቡ።

ሃገራት ጉጅለ 20 መድሓኒት እቲ ቫይረስ ንምርካብ ዓሊሞም ንዝግበሩ ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምራትን ንምድጋፍ ዘውፅኡኡ መግለፂ ዝነኣዱ እቶም ፓርቲታት፥ እተን ሃገራት ንዘይማዕባሉ ሃገራት ብናውቲን ቴክኒክን ሓገዝ ንክገብራ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፓርቲታት ፖለቲካ ዓለም እቲ ለበዳ ምስሓለፈ ወዲ ሰብ በዝበለፀ ተጠናኺሩ ሰብኣዊነቱ ከምዝዕምብብ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.