Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ሃገራዊ ምኽክሩ ዕት ንኽኸውን ሓገዙ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ሃገራዊ ምኽክሩ ዕት ንኽኸውን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ንቁቑሕ ተሳታፊ ንምዃን ምድላው ከምዝተገበረ እውን ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብሪሆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኣመራርሓታት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣፈፃፅማ ስራሕ እቲ ኮሚሽን ዝምልከት ልዝብ ገይሮም።

ኣብቲ መድረኽ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ(ፕ/ር)÷ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ዝወገኖም ስራሕቲ ዝምልከት ገለፃ ገይሮም።

ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብተወሳኺ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ÷ እቲ ኮሚሽን ዕዉት ሃገራዊ ምኽክር ንምግባር ክሳብ ሕዚ ዝወገኖም ስራሕቲ ዝበረታትዑ ኢዮም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ዋና ዋና ሃገራዊ ዛዕባታት ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ከምዘኽእሎን ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ብምዕሳል ጉዕዞ ምዕባለኣ ንምቅልጣፍ ከምዘኽእል ምስ ኣባላት እቲ ፓርቲ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣብሪሆም።

ፓርቲ ብልፅግና ከም ሓደ መዳርግቲ ኣካል ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ንቁሕ ተሳታፊ ንምዃንን ሃገራዊ ምኽክር ምስተዛዘመ ድማ ውፅኢት እቲ ምኽክር ተግባራዊ ንምግባርን ኣድላዪ ምድላው ከምዝገበረ እውን ወሲኾም ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.