Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ መቐለ ንባዕሎም ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ዘይኽእሉ መናእሰይ ዝተወሰደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ድንጋገታት ህፁፅ እዋን ብምጥሓስ ተኣኻኺቦም ዝነበሩ መናእሰይ ብፖሊስ ንምብታን ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ህይወት ሓደ መንእሰይ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣዛዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ሰሜን ኮማንደር ሓዱሽ ሕዱግ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ጎንፂ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 10 ጉንበት 2012 ዓ.ም ኣብ ሓደ ቦታ ዝነበሩ 10 ዝኾኑ መናእሰይ ፖሊስ ንምብታን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ዝተፈጠረ ኢዩ።

እቶም መናእሰይ ዝተሓተቱዎ ንምፍፃም ፍቓደኛታት ብዘይ ምዃኖም ብዝተፈጠረ ዘይምስምዕማዕ ሓደ መንእሰይ ህይወቱ ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ክልተ መናእሰይ ከምዝቖሰሉ እውን ኣብሪሆም።

እቶም ናይ ምቑሳል ሓደጋ ዘጋጠሞም መናእሰይ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ እቲ ተግባር ዝኾነነ እንትኸውን፥ ብሓይሊታት ፀፅታ ብዝተተኮሰ ጥይት ህይወቱ ዝሓለፈ መንእሰይ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ፤ ንስድርኡን ንመተዓብይቲ መሓዙቱን ከምኡ እውን ንደላይ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ምፅንዕና ተመኒዩ።

ህዝቢ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ዘጋጠሞ ድርብ ፈተናን ፀገምን ብምሕላፍ ናብ ዝደሊዮን ዝግበኦን ሰላም፣ ዕቤት ምርግጋዕ፣ ዴሞክራሲን ተረባሕነት ልምዓትን ንምርግጋፅ ብመንግስቲ ይኹን ብፓርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን መንግስቲ ህዝባዊነቶም፣ ናይ ኣመራርሓ ክእለቶምን ጥበቦምን ኣብ ዝፍተነሉ ታሪኻዊ እዋን ከምዝርከብ ምግንዛብን ምብርታዕን ከምዝግባእ እውን ገሊፁ።

ህዝቢ ትግራይ ምስ መላእ ህዝቢታት ኢትዮጵያውያ ብሓባር ኮይኑ ዘካየዶ ከቢድ ቃልሲ ብዝኸፈሎ መስዋእቲ ጭራ ሰላምን ዴሞክራሲን ናይ ምርኣይ ድሌቱ እንትቃረብ ናይ ሕልሚ ዓለም ጥራሕ እናኾኖ ምምፅኡ እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ህይወት ሓደ መንእሰይ ካብ ምሕላፉ ብተወሳኺ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲታት ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጠረ ጎንፂ ናይ ሓደ መንእሰይ ክቡር ህይወት ምሕላፍን ሓደጋ ምቑሳል ክልተ መናእሰይን ኣብቲ ክልል ስእነት ሰላምን ዴሞክራሲን ምህላዉ ዘርኢ ምዃኑ ገሊፁ።

ደላዪ ሰላምን ኣኽባሪ ጋሻን ዝኾነ ነባሪ ከተማ መቐለ ኣብ ውሽጢ መሪር ሓዘንን ወጥሪን ይርከብ ዝበለ እቲ ፓርቲ፥ እቲ ሓደጋ ሰላምን ፀፅታን ብሕጋዊ መገዲ ንምሕላው ሓላፍነት ብዝተውሃቦ ኣካል ዝተፈፀመ ምዃኑ ድማ ብዝበለፀ መሕዘኒ ከምዝገብሮ እቲ ፓርቲ ገሊፁ።

እዚ ድማ ብፍላይ ብዙሕ መስዋእቲ ንዝኸፈለ ህዝቢ ዘይግባእ ተግባር ኢዩ ኢሉ።

ንባዕሎም ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ዘይኽእሉ መናእሰይ መተክኢ ዘይብሉ ክቡር ህይወቶም ክሳብ ምቕንፃል ዝበፅሐ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ክኹነን ዝግበኦን ተቐባሊነት ዘይብሉን ተግባር ኢዩ ዝበለ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ፥ እቲ ተግባር ብቕልጡፍ ተፃርዩ ዝተወሰደ ናይ እርማት ስጉምቲ ንህዝቢ ዕላዊ ንኽግበር ሓቲቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.