Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሃረሪ ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባ ዘትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሃረሪ ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ብምኻን ኣብ ሃገራዊ ዛዕባ ዘትዩ፡፡

ኣፍቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሃረሪ  ኣይተ ኣብዱልሃኪም ኡመር ከምዝገለፅዎ÷ ግብረ ራዕዲ ህወሓት መጥቀሚ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ መንግስቲ ዝዘርገሖ ናይ ሰላም ኢድ ብምንፃግ ናብ ኲናት ብምእታዉ ፀረ- ኢትዮጵያ ሓሳብ ከምዘለዎ ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ” ኢሎም፡፡

መንግስቲ እናተዋገአ ዝርከብ ምስ ህዝቢ ክልል ትግራይ ዘይኮነስ ምስ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ምኻኑ ክፍለጥ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ምስ ኣመለኻኽታ ፀረ-ኢትዮጵያ እቲ ጉጅለ ክቃለስ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ተረኺቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.