Fana: At a Speed of Life!

ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ናብ ከይዲ ፍሪያት ከምዝተመለሰ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣክሊሉ ታደሰ፥ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ኲናት ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ስርሑ ደው ኣቢሉ ዝፀንሐ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ሎሚ መዓልቲ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ ኢሎም።

ዳግማይ ስራሕ ንምጅማር ልዑል ጠመተ ብምሃብ ብምትሕብባር ክስራሕ ከምዝተፀንሐ እውን ተዛሪቦም።

ቅድመ ሐዚ ኣብቲ ፓርክ ዘፍርዩ ዝነበሩ ኩባኒያታት ናብ ስራሕ ንክኣትዉን ሓደሽቲ ኢንቨስተራት ኣብቲ ፓርክ ንምፍራሕ ብመሰረት ዘቕረብዎ ሕቶ ስራሕቲ ቅድመ ኢንቨስትመንት ይዛዝሙ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቲ ፓርክ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ፍሪያት ንክኣቱን ናይ ኢንቨስትመንት ከባቢ ንምፍጣርን ዝግበሩ ዘለዉ ፃዕሪታት ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ንክድግፉ ፃው#ዒት ምቕራቦም ኣብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.