Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ናብ ጅቡቲ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ናብ ጅቡቲ ኣቲዮም።

ንፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሼህ ሃጂ ኢብራሂም ቱፋ፥  ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ኦማር ጊሌ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፥ ብጉዳያ ሙስሊም ጅቡቲን ትካል ወቅፍን ዝተሰናደአ ዘበናዊን ባህላዊን ትካላት ሰላም ኣብ ዘሰናዱኡዎ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ ጉባኤ ሰላም ተረኺቦም፡፡

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ኦማር ጊሌ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተአሞም ድማ እዋናዊ ኩነታ እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዝምልከት ነቶም ሬዚዳንት ገለጻ ገይሮምሎም።

ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኢል ኦማር ጊሌ ብግደኦም÷ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዑደት ከምዝገብሩ ገሊፆም።

ብጉዳያ ሙስሊም ጅቡቲን ትካል ወቅፍን ኣብ ዝተሰናደአ ኮንፈረንስ፥ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ሓገዝ እስላማዊ ኩዌት በድር ስዑድን ሓዊሱ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራ ተረኺቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.