Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ሚኒስትር ንግዲ ወፃኢን ትሕብብር ልምዓትን ኔዘርላንድስ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ሚኒስትር ንግዲ ወፃኢን ትሕብብር ልምዓትን ኔዘርላንድስ ሲግሪድ ካግ ተዛትየን።

ኣብ ዓውታት ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኔዘርላነድስን ኣድሂበን ከምዝተዛተያ ተገሊፁ።

ኔዘርላንድስ ኣብ ዓውዲታ ሕርሻን ምሕደራ ማይን ዘለዋ ልዑል ልምዲ ንኢትዮጵያ ምክፋል ከምትደሊ ሲግሪድ ካግ ኣብቲ እዋን ዘተ ተዛሪበን።

ዓውዲ ሕርሻ ብምዕባል ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ዝላ ንምምፃእ ዋና ኣጀንዳ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ዝገለፃ ፕዚዳንት ሳህለወርቅ፥ እዚ ንምዕዋት ድማ ምስ ኔዘርላንድስ ተዋዲዱ ክሰርሕ ኢዩ ኢለን።

ብተመሳሳሊ ዜና፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ኣባል ፓርላማ ኣውሮፓ ክሪሱላ ዛካሮፑሉ ተዛትየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ሕብረት ኣውሮፓ ብብርኪ ኣህጉር ክህቦም ኣብ ዝኽእሉ ከም ስርዓት ፆታን ካልኦት ዓውዲታት ምትሕብባርን ኣድሂቦም ምዝታዮም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.