Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ቀዳማይ ሚስትር ካናዳ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ቀዳማይ ሚስትር ካናዳ ጀስቲን ቱሩዶ ተዛትየን።

ክልቲኦም መራሕቲ፥ ኣብ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራ ብምድሃብ ተዛትዮም ኢዮም።

ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲን ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕ እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራትን፥ መንግስቲ ካናዳ ሓገዝ ከምዝገብር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ኣብ ምዕባይ ግደ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ብዝምልከትን ብሓባር ክሰርሑዎም ብዛዕባ ዝግቡኡ ተግባራትን፥ ኣካል ናይቲ ዝተገበረ ዘተ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣብ ምጥንኻር ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ካናዳን ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ እውን ተሓቢሩ።

ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ሕዚ ተሓባቢረን ንምስራሕ ዘኽእሉወን ኣሰራርሓታት ከምዝዝርግሑ ድማ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ተላዒሉ።

ኢትዮጵያን ካናዳን ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ኩለመዳያዊ ርክብ ከምዘለወንን ብሓባር እናሰርሓ ከምዝፀንሓን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.