Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ዓለም ለኸ መሻርኽቲ ትምህርቲ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ዓለም ለኸ ጉጅለ ልኡኽ መሻርኽቲ ትምህርቲ ሚስስ ኣሊስ ኦልብራይት ተዛትየን።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ መሻርኽቲ ትምህርቲ ዝተፈጠረ ጥንኩር ምትሕብባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እተን ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፀን።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ዓለም ለኸ መሻርኽቲ ትምህርቲ ሚስስ ኣሊስ ኦልብራይት ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ህፃናት ናብ ቤት ትምህርቲ ንምልኣኽ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ከም ኣብነት ዝፅራሕ ከምዝኾነ ምዝራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዓለም ለኸ ጉጅለ ልኡኽ መሻርኽቲ ትምህርቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ምስ ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያን ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክትር ኣቢይ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍ ስራሕ መንግስቲ፣ ተወከልቲ ባንኪ ዓለም፣ ብምርኻብ ክላዘቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ዓለም ለኸ ሽርክና ትምህርቲ፥ ሃፍቲ ብምትእኽኻብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኻልኦት ኣብ ከይዲ ምዕባለ ዘለዋ ሃገራት ብዓውዲ ትምህርቲ ልዑል ደገፍ ዝገብር ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.