Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ንጅግና ሲ ኤን ኤን ፍረወይኒ መብራህቱ ተቐቢለን ኣዘራሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ንጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ፍረወይኒ መብራህቱ ተቐቢለን ኣዘራሪበን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲኤንኤን እዚ ዓመት ብምዃና ዝተሰመዐን ሓጎስ ገሊፀናላ።

ፍረወይኒ ብግደኣ ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቕ ዝተገበረላ ኣቀባብላ ብምምስጋን ዝተሰምዓ ሓበን ገሊፃ።

ንደቂ ኣነስትዮ ዝተመቻቸወ ኩነታት እንተተፈጢሩለን ውፅኢታዊ ዘይኾናሉ ምኽንያት ከምዘየለ ዝገለፀት ፍረወይኒ፥ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ኮይና ንኽትምረፅ ንዝገበሩ ኮሎም ኢትዮጵያውያን ኣመስጊና።

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1992 ብኬሚካል ኢንጅነሪንግ ቐዳማይ ዲግሪ ዝረኸበት ወናኒት ትካል ማርያም ሰባ መፍረዪ ዝሕፀብ መናፅሂ ፍረወይኒ መብራህቱ፥ ዘመናዊ መናፅሂ ደቂ ኣነስትዮ ዲዛይን ብምግባር ምህዞኣ ዘላለየትን ተግባራዊ ዝገበረትን ኢያ።

ፍረወይኒ፥ ንትምህርቲ ናብ ኣሜሪካ ምስ ከደት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ፅግያት ብዝምልከት ዘለወን ፅዕንቶታት ከመይ ከምዝቕረፍ ምሕሳብ ከምዝጀመረት ትገልፅ።

 

ብፍላይ ኣብ ገፀር ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ካብ 3 ክሳብ 5 መዓልቲ ካብ ትምህርተን ዝቦኽራሉ ምኽንያት ወርሓዊ ፅግያ’ዩ ዝበለት ወይዘሮ ፍረወይኒ፥ “ኣብ 2005 እቲ ፀገም ክቐርፎ ኣለኒ” ዝበለቶ ፕሮጀክት ከምዝቐረፀት ትዛረብ።

ስለዝኾነ ፍረወይኒ እቲ ፋብሪካ ኣብ መቐለ ብምጥያሽ ከም ሓጥያት ዝረኣ ዝነበረ ልሙድ ኣረኣእያ ወርሓዊ ፅግያት ክስበር ብምግባራ፣ ንብዙሓት ደቂ ኣንስቲዮ ዕድል ስራሕ ብምፍጣራ፣ ኣባፅሕ ደቂኣንስትዮ ዘለወን ሕፅረት ናውቲ ወርሓዊ ፅግያ(ሞዴስ)ን ፓንትን ብሕሳር ዋጋ ክረኽባ ብምግባራ ጅግና (Hero) ሲ ኤን ኤን 2019 ክትከውን ክኢላ ኢያ።

ብምቹውነትን ፈሳሲ ናይ ምሓዝ ዓቕምን ካብቲ ዝድርበ መናፅሂ ዝፈልዮ ነገር ዘይብሉ ፍርያት መናፅሂ ማርያም ሰባ፥ በቢዓመቱ 600 ሺሕ መናፅሂን 300 ሺሕ ፓንቲታትን እናፍረየ ይርከብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.