Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንበዓል ዝኸውን ሓገዝ እኽሊ ገይረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣቢሉ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ትካል ደቂ ኣንስትዮ ራስ ኣገዝ ንዝርከባን ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ንዝርከባ 2 ሺሕን 400 ደቂ ኣንስትዮ ንበዓል ዝኸውን ሓገዝ እኽሊ ገይረን።

እቲ ሓገዝ ቅድሚ ሕዚ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ዑደት ኣብ ዝገበራሉ እዋን ኮቪድ-19 ዘሕደሮ ፅዕንቶ ኣብ ምምካት ንምሕጋዝ ብመሰረት ዘኣተዉዎ ቃል ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

በዓል እናተቓረበ ስለዝኾነ፥ እቲ ሓገዝ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረን ጭንቀት ዘቃልል ከምአዝኾነ ተሓቢሩ።

ሕብረተሰብ ባህሊ ምትሕግጋዙ እንተይረሰዐ ዝተፀገመ ጎረቤቱ ክሕግዝ ከምዝግባእ እተን ፕሬዚዳንት ኣገንዚበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.