Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣምሪሖም

አዲስ አበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ስዑድ ዓረብ ኣምሪሖም።

እቶም ፕሬዚዳንት ናብ ሪያድ ዝተጉዓዙ፥ ንጉስ ስዑድ ዓርብ ሰልማን ቢን ኣብዱልኣዚዝ ብመሰረት ዝገበሩሎም እንግዶት ምዃኑ ተገሊፁ።

ክልቲኦም መራሕቲ፥ ኣብ ርክብ ስዑድ ዓረብን ኤርትራን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ናይ ሓባር ጉዳያት ኣድሂቦም ከምዝዛተዩ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.