Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ፕሬዚዳንት ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ዑደት ስራሕ ንምስላጥ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሱዳን ከምዘምርሑ ሚኒስትር ዜና እታ ሃገር ገሊፁ።

ሚኒስትር ዜና የማነ ገብረመስቀል ከምዝበሉዎ፥ ፕሬዚዳንት ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ብዝገበሩሎም  ዕድመ እዮም ነቲ ዕላዊ ዑደት ዝፍፅሙ ዘለዉ።

ብመሰረት እዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ርክባትን ዞባዊ ጉዳያትን ኣድሂቦም ክዝትዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.