Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ሌይን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን

አዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኡርሱላ ቮን ደር ሌይን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን።

ኡርሱላ ቮን ደር ሌይን፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሳለጥ 10ይ ሓበራዊ ኣኼባ ሕብረት ኣፈሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ክሳተፋ ኢየን።

ምስተን ፕሬዝዳንት ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ጉዳያት ወፃኢን ፖሊሲን ሕብረት ኣውሮፓ ዝርከቡዎ 20 ኣባላት ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ኢዩ።

እቲ ናይ ሓባር ኣኼባ ኣብ ልምዓት፣ ምንካይ ስእነት ስራሕ፣ ሓምለዋይ ልምዓትን ዲጂታል ስግግርን፣ ኣብ ሰላም፣ ምሕደራን ጉዳይ ስደተኛታትን ዘድሃበ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ኡርሱላ ቮን ደር ሌይን፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ምግባረን ይዝከር።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ተዛትየን ነይረን።

ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት ተራኺበን ተዛትየን ከምዝነበራ እውን ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.