Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ጅግጅጋ ዝርከብ ማእኸል እግሪ ምትካል ጉድኣት ኣካል ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ጅግጅጋ ኣብ ዝርከብ ማእኸል እግሪ ምትካል ጉድኣት ኣካል ዑደት ኣሳሊጦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብጅግጅጋ ኣቢሎም ዝጀመሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ዝርከብ ብኮሚቴ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ሓገዝ ኣብ ዝግበረሉ ማእኸል እግሪ ምትካል ጉድኣት ኣካል ፃንሒት ገይሮም።

እቲ ማእኸል፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል እግሪ ንምትካልን ንጉዱኣት ኣካላት ቀረብ ግልጋሎት ንምምሕያሽን ተሓሲቡ ዝተኸፈተ ኢዩ።

እቲ ማእኸል እግሪ ምትካል ጉድኣት ኣካል፥ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዝርከቡን ብኮሚቴ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ሓገሰዝ ካብ ዝግበረሎምን ዓሰርተ ማእኸላት ሓደ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.